Notice

ምልክታ ጨረታ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ  ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ዝተፋለያ መኪና ጎማ  ካብ ሕጋውያን መቕረብቲ  ብጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ንክፍፅም ስለዝደሊ  ካብዚ ብታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት መሰረት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።

ናይ መወዳደሪ ረቛሒታት

1.   ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎን ናይ 2004 ዓ/ም ዘሐደሰ ኮፒ መረዳእታ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።

2.  ኣብ ቢሮ ፋ/ኢ/ል ናይ መለለይ ቑፅሪ TIN No ዘለዎን ኣብ መቕረብቲ ዝርዝር  ዝተመዝገበ መረዳእታ ፎቶ  ኮፒ ገይሩ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።

3.   ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብር 5000.00 (ብር ሓሙሽተ ሽሕ)  ብሽም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ብዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ኣለዎ

4.   እዚ ናይ ዋጋ ዝመልአሉ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ደ/ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 26 ዘይምለስ ብር 30.00 (ሰላሳ ብር) ጥራሕ ብምኽፋል ካብ ዕለት 25/08/2004 ዓ.ም ክሳብ ዕለት 09/09/2004 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ይከኣል።

5.   እቲ ጨረታ ዕለት 09/09/2004      ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንግሆ ተዓሽጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና  ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለውሉ  ልክዕ ሰዓት 4፡00 ይኽፈት መቕረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኺቦም  እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ  ፖስታ ንምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

6.  ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ክሳብ መጋቢት 30/2004 ዓ/ም ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቕርብ

7.   ንዝሰዓሩዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መራገፊ  መጓዓዓዚን ናብ ቤት ፅሕፈትና በቲ ውዕሎም መሰረት ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ 

8.ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል ሰዓራይ ኣብ ዝመርፀሉ እዋን ካብቲ መጀመርያ ንክግዛእ ዝወፀ በዝሒ ኣቕሓ ዋጋ 20% ( ዒስራ ሚኢታዊ ) ናይ ምቕናስ ወይ ናይ ምውሳኽ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9.  እቲ ቤት ፅ/ት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10.ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-40-10-99 ምሕታት ይከኣል።

 

ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ