Notice

Certification Procedure

ደምቢ አወፃጽኣ ሰርተፊኬት

 


ኣብ ክልል ትግራይ ድኽነት ንምንካይ ፣ዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ንምዕሳልን ሕብረተሰባዊ ኢኮኖሚ ንምዕባይን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ካብ ዝተፈቐደሎም ሒሳብ ፈላጣት  ዝሕሎ ሓላፍነት ብኣግባቡ ንክዋፅኡ ዘኽእሎም መትከላት ስነ-ምግባር ክህልዎም ይግባእ።

ዝተፈቐደሎም ሒሳብ ፈላጣት ዝውሃቦም ሓላፍነት ተረዲኦም ብዘይምንም ተቆፃፃሪ ንባዕሎም ተቐባልነት ካብ ዘይብሎም ተግባራት ነፃ ገይሮም ንሕብረተሰብ ሚዛናዊ ብምዃን፣ብቕንዕናን ተኣማናንትን ንከገልግሉ ስሩዕን ኣብ ሃገርና ተቐባልነት ዝረኸቡ ናይ ኣተሓሕዛ ሒሳብ መትከላት ስነ-ምግባርን ግቡኣትን ዝውንኑን ክኾኑ ምግባር ኣድላይ እንትኾን እዚኦም እንትጠሓሱ ድማ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ዝውሰድ ምዃኑ ዘመላኸት መምረሒ ምውፃእ ኣገዳሲ እዩ፡፡

ስለዚ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ስልጣንን ተግባርን ንምውሳን ተማሓይሹ ዝወፀኣዋጅ 230/2005 ዓንቀፅ 7ን 8ን መሰረት እዚ መምርሒ ስነምግባር ሒሳብ ፈላጣት ኣውፂኡ ኣሎ፡፡

እዚ ሰነድ ስነ ምግባር ትርጋመ : ወሰን ተፈፃሚነት : ጉቡኣት እዚ ቤት ፅሕፈት ፡ እሴታት ክልልና ፡ መትከላት ስነ- ምግባር ፡ቕፅዓታት ጉድለታት ስነ-ምግባር ፡ዝተፈላዩ ድንጋገታት ፡፡